News Tigrinya

ናይ ሶማል ፕረሲደንት’ውን ናብ ጎንደር ክኸይድ እዩ ጽባሕ

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 08 ሕዳር 2018

ናይ ሶማልያ ፕረሲደንት ፋርማጆ ጽባሕ ናብ ጎንደር ከምዝኣቱ ዳይረክተር ናይ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ናይ ሪፓፕሊክ ሶማል ሓቢሩ። ዕላማ ናይዚ ምብጻሕ ስሉሳዊ ኣኼባ ምስ ፕረሲደንት ኢስያስን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ንምክያድን ነቲ ኣሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ዝተፈረም ስምምዕ ናይ ምውህሃድ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምድልዳል ከምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸሰተ ሓዲሽ መድረኽ ኪኖ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ናይ ሰላምን ምዕባለን ተስፋ ኣምጽዩ ይርከብ። ሰማልያ ቀንዲ ካብተን ናይ ወራራትን ምትእትታውን ናይ ህወሓት ግዳይ ኮይና ዝጸነሐት ኣገር እያ።

ኤርትራን ሶማልያን ታሪኻዊ ርክብ ዘለውን ሃገራት ከም ምዃነንን፣ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ዘለዎ ዞባ ምህናጽ ራኢ ናይ ህዝባዊ ግንባር ንምትግባርን፣ ኤርትራ ካብ ፈለማ ቴስዓታት ሶማልያ ፋሕ ዝበለትሉ እዋን ኣትሒዛ ኣብ ጎኒ ሰማል ጠጠው ኢላን ዝኽፈሎ ዋጋን ከፉላ እያ።

እዚ ተታሒዙ ዘሎ ስትራተጂ ኣብዚ ሓድሽ መድርኽ  ናይ ሰላም ናይ’ዛ ብባህርያዊን ዓቅሚ ሰብን ኣዝያ ሃፍታምን ስትራተጂካዊት ዝኾነት ሃገር ሶማል  ተራን ኣገዳስነትን ዘነጽር እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares