News Tigrinya

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ እሕመድ ንፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ንምቕባል ኣብ ጎንደር ኣትዩ

ሰራውር ናይ ሓበሬታ 08 ሕዳር 2018

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ሎማዓንቲ ንፕረሲደንት ኢስያስ ንምቕባል ኣብ ጎንደር ከምዛኣተወ ተሓቢሩ። ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ጽባሕ ዓርቢ ናብ ጎንደር ከምዝኣቱን ኣብ ምብጽሑ ታሪኻዊን ናይ ልምዓትን ቦታታት ምብጻሕ ከካይድ እዩ።

እዚ ምብጻሕ ሓዲሽ ዘይኮነ ገለ ኣዋርሕ ይገብር ናይ ክልል ኣምሓራ ሰብ መዚ  ንኤርትራ ኣብ ዝበጽሕሉ ግዜ ንፕረሲደንት ኢስያስ ዕደመ ከም ዝገበርሉ ገሊጾም ኔሮም።

ብሰንኪ ሓድግታት ናይ ስትራተጆካዊ ጌጋታት ናይ ህወሓት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ናይ ኢትኒካዊ ወጥሪ ትርከብ። እንተኾነ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ነዚ ቕልውላዋት ንምቑጽጻርን፣ ናይ ሕወሓት ኣተሓሳስባን ጽልዋ ዘለዎም ሰባትን ካብተን ቀንዲ ፖለቲካዊን መንግስታውን ትካላትን ምእላይ ዓበይቲ ዓወታት ከመዝግብ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ምርግጋእ ናይታ ሃገር መስራሕ ኤርትራ ኣገደሲ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ እያ፤ እዚ ምብጻሕ ናይ ፕረሲደንት  ኣካል ናይዚ መስራሕን መስርሕ ሰላምን እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares