News Tigrinya

Video- ቃለ መሕትት ምስ ስነጥበባውን ኣባል ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ በራኺ ገብረመድህን

ክቡራት ተኻታተልቲ ሬድዮ ሰራውር ብኣጋጣሚ በዓል ኣሁጉራዊ  ደቀንስትዮ ፍሉይ መደብ ቃላ መሕትት ምስ ሰነጥበባውን ኣባል ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራን በራኺ ገብረመድህን ሒዝና ቀሪብና ኣለና።

በራኺ በቲ ሓያል ፍርያት ስነጥበባዊ ስርሓቱ ኣብ ብዙሓት ሰባት ክብርን ዝናን ዘትረፈ እዩ። ሕጅ ድማ እንሆ ልክዕ ከም ፍርያት ስነጥበቡ ብፍቅራውን ወኒ ዝመለኦ መንፈስን ብዛዕባ ድሕረባይትኡን ንምንታይን ብኸመይን ኣብ ምስናድን ምኹላዕን ታሪኽናን ክብርታትናን ያታናን ይነጥፍ? ዕላል ብዛዕባ ገለ ካብ ፍርያቱ ከም ሰዓሪት ንጅግንነትን መስዋእትን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትገልጽን ካልኦትን ኣካይድና ኣለና።

እዚ ከቢድ ርዝነት ዘለዎ ስነጥበባዊ  ቀዳማይ ዕማሙ ኣባል ምክልኻል ሰራዊት ኮይኑ  ከም ኩሎም ብጾቱ ኣብ ምክልኻል ሃገር ንወራራት ወያነ ዝገጠሙን ንዓመታት ኣብ ሃገር ምሕላው ዘሕለፉን ዘልዉን “ሃገር ኣላትና” ክንብል ዘኽኣሉና  ወረስቲ ወሎዶ ኣብ ዓለም መዋደደሪ ዘይርከቦ ተዋፍይነት ዝገበሩ እዮም። ኣብዚ መደብ ንበራኽን ብጾቱን ነዚ ክገብሩ ዘኽኣሎም ሚስጥር ደኣ እንታዩ ዝብል ሕቶ ንበራኺ ኣቅሪብናሉ ኣለና።

ኣብ መደምደምታ ካብዚ ዕላል ምስ በራኺ ተኾሊዑ ዝንጸባረቕ መልእኽቲ ጸላእቲ  ዋላ ብሳይንሳዊ ደረጃ ኣጽኒዕናዮ ኢሎም ብጸሊምን ጻዕዳን ከምዝጸሓፍዎ ዕላማ ምብትታን ኤርትራ ክሰምሮሎም ተኾይኑ ምድምሳስ ናይ ረቀቕቲ ሃገራዊ ክብርታት ከም ዕላማ ሰሪዖም ዘይገብረዎን ዘይተፈታተንዎ ዜጋ ይኩን ትካል ኣይሃሉ እምበር ፈሺሎም እዮም። እዚ ማለት ቀሊል ዘይኮነ ሃስያ ኣይወረደን ዘይኮነ እንታይደኣ ንርእሰ ተኣማምነትን ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ ንምድምሳስ ዝተኻየደ ኩሉ ዓይነት ኩናት ፈሽሉ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ብመስርሕ ምውዳቅን ምትሳእን ሓሊፉ ረቂቕ ክብርትታቱ ከም ዘሐየለ ዘረድእ እዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ  በራኺ “ርእሰይ ኣብ ክልተ ጨዲድካ  ተትርእያ ናይ ስዉእ ዑቁባጋብር እያ”  ዝበሎ እዚ ወለዶ ልክዕ ከም ኣቦታቱ ብተግባርን መንፈስን ሰማእታት ህያው ጌሩ ዝኸይድ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝግብኦ እዞም ረዘንቲ ሰብ ክብሪ ምስኩሉ ረዚን መልእኽቶም ብተግባር ጥራይ እዮም ድዛረቡ ኣይኮነንዶ ማዕጾ ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ባዕሎም ክኹሕኹሑ ንኽተዛርቦም ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ኣክይዳ ኣብ ሆሆ ዝመለኦ ዘበን ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ሰባት ካብ ክውንነት ዝርሓቀን ናይ ቅጥሪ ሕልምታት ከስዕብ ናይ ግድን እዩ።

ነዚ ምስ ክውንነት ተጋጭዩ ዝዕረ ሕልምታትን ዝንቡዕ ኣራእያን መልሲ ንምሃብ ኢልካ ዘይኮነ፣ ኣገዳስነት ድምጺ ናይ ረዘንቲ ሰብ ክብሪ  ርኡይ እዩ። ናብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ቅድሚ ምሕላፍና ብቀጻሊ መደብ ሰራውር ንምክትታል ሳብስክራይብ ክትገብሩ ብትሕትና ንሓትት።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares