06/06/2018 ሰራውር ናይ ሓበሬታን ማእከል
ናይ ኢህወደግ ፈጻሚ ኮሚቲ ናይ ኣልጀርስ ውዕል ብሙሉኡ ተቐቢሉ ተግባራዊ ክገብሮ ከምዝወሰነ መግለጺ ኣውጽዩ። ኣብዚ ዝወጸ መግለጺ ካብ ወሪሩ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ኤርትራ ከምዝስሕብ ብንጹር ዋላ ተዘይገለጸ፣ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ንምድንጋር ተባሂሉ ክብሃሉ ዝጸንሑን ግን ፍሉይነት ዘለዎ ይመስል።
ኣብ 2002 ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ዶብ ምስተዋሃበ፣ ኣክንዲ ነትውዕል ተቐቢሎም ኣብ ተግባር ምውዓል፣ ብሓያላን ሃገራት ተደጊፎም ብመንገዲ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ንኤርትራ ምብትታን ስትራተጂ ሒዞም ብማእለያ ዘይብሎም ሽርሕታት ተግባራዊ ክገብሮዎ ንዓመታት ክሰርሕሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዝተሓስበ ናብኦም ተገልቢጡ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ከምዝኣተዉ ናይ ህልው ታሪኽ እዩ።