News Tigrinya

ታሪኻዊ ምብጻሕ ፕረሲደንት ኢስያስ ናብ ሶማልን ኬንያን ሶማልያ ናብ ትስፍዉ መጻኢ

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 13 ታሕሳስ 2018

Click below to play the video

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ናብ ሶማል ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እዚ ብዕድመ ናይ መራሒ ሶማል ዝካየድ ዘሎ ወግዓዊ ምብጻሕ  ናይ ክልቲኤን ኣሕዋት ሃገራት ታሪኻዊ ርክባት ንምሕያል ምዃኑንን፣ ኣብ ጉዳያት ናይ ክልትኣዊ ረበሓ ዝርርብ ከምዘድ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ናይ ሶማል ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነፍስ ዘሎ ሓዲሽ ናይ ሰላምን ምዕባለን ዘመን ነዛ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ዝጸነሐት ሃገር ሶማል’ውን ዓቢ ማዕጾ ናይ ትስፍው መጻኢ ከፊትላ ይርከብ። እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ ናይ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ነዚ ጉዕዞ ኣብ ምቕልጣፍ ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ።

ዳግማይ ምስራትን ምርግጋእን ናይ ሶማል፣ ንሃገራዊ ረበሓ ናይ ኤርትራን ንዘላቒ ሰላም ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ እዩ። ሶማል ብባህርያዊ ሃብትን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጠኣ ዝተዓደለት ሃገር ብምዃና ንኣማኢት ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ሃሳዪ ዝኾነ ናይ ባዕዳውያን ምትእትታው ክትሳቀ ዝጸነሐት ሃገር እያ።

ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት መትክላዊ መርገጻ ብዘይምቕያር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሶማል ጠጠው ኢላን ብሓሶትን ጠቐነን ዝተስገደደ እገዳታት ዋጋ ከፊላ እያ። ካብ መጀመርያ ቴስዓታት ኤርትራ መትከላዊ መርገጺኣ ሽግር ሶማል ብሶማልያውን ምፍታሕን ተቓዉሞኣ ምእታው ናይ ባዕዳውያን ሰራዊት ብስም ምሕላው ሰላምን ጸጥታን ኣነጺራን ድምጻ ኣስሚዓን እያ። ነዚ ሓቂ ዕሽሽ ዝበሉ ባዕዳውያን እንተኾኑ’ውን ከቢድ ዋጋ ከፊሎም እዮም።

ብድሕሪ’ዚ ህዝቢ ሶማል ሽግሩ ክፈትሕ ብግስ ምስበለ ግዳይ ናይ ወያነ ምትእትታውን ብሓያልን ሃገራት ዝተደገፈ ወተሃደራዊ ወራር ናብ ዝኸፈአ ቅልውላው ኣእቲዋ። እዚ ከይኣክል ብልሹዋት ናይ ወያነ ሰበስልጣን ናይ ሚልዮናት ዶላራት ዘይሕጋውን ናይ ኣጽዋራት ንግድታቶም ጌሮማ ጸኒሖም እዮም። ምስጓግ ናይ ወያነ ካብ ስልጣን ዝፈጠሮ እፎይታን፣ ብድሕሪኡ ማዕቢሉ ዘሎ ስሉሳዊ ርክብ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነታ ሃገር ንቕድሚት ትስጉመሉ ምቹእ ባይታ ፈጢርላ ይርከብ።

ብተወሳኺ ኤርትራ ቅኑዕን መትከላዊ መርገጻን ጥራይ ዘይኮነ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ካብ ቃልሲ ጀሚሩ ዘማዕበሎ ምውቕ ዝምድና ምስ ኩሎም ፖለቲካውያንን ጸለውቲ ኣካላት ናይ ህዝቢ ሶማል፣ ኣብ ምቅርራብ የሕዋት ሶማላውያን ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ እዩ።

ብተወሳኺ  ፕረሲደንት ኢስያስ ካብ መቓድሾ  ናብ ናይሮቢ ኬንያ ከምዘምርሕ ተገሊጹ። እዚ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ናብ ኬንያ ብመሰረት ዕድመ ናይ ፕረሲደንት ዩሁር ከንያታ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares