Tigrinya

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብ ኤርትራ ኣምሪሖም

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 5 መስከረም 2018

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ከካይድ ሎሚ ናብ ኤርትራ ኣትዩ። ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዓሰብ ኤርፖርት ተቀቢልዎ። ካብዚ ምብቕጻል ናብ ባጽዕን ኣስመራን ከምዝበጽሕን ተሓቢሩ። ዕላማ ናይዚ ምብጻሕ ትግባረ ናይ ሰላም ስምምዕ ክልቲኤን ሃገራት ዝፈረማሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ናይ ሶማል ፕረሲደንት ሎማዓንቲ ናብ ኤርትራ ከምዛኣቱን ሰለስቲኦም መራሕቲ ናይ ሓባር ኣኬባ ከካይዱ እዮም።

ኣብዚ ናይ ሰላምን ምዕባለን ንፋስ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነፍሰሉ ደሎ እዋን ርክባት መራሕቲ ኣብ ምሕንጻጽን ምትግባርን ናይ ሓባር መደባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ።

ኣብዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ወያነ ኣብ ኩለን ሃገራት ናይዚ ዞባ ብዝፈጠሮ ዕግርግር ዓቢ ማህሰይቲ ኣውሪዱ እዩ። ኣብ ሶማል ውን ነታ ሃገር ክይትትስእን ፋሕ ክትብልን ፋሕ ኢላ ክትቅጽልን ዝገበሮ እከይ ስራሕ ነታ ሃገር ኣዝዩ ከምዝሃሰያ ዝፍለጥ ሓቂ እዩ።

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁን መራሕቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎም ተመሳሳሊን ናይ ሓባር ራኢን ናይ ምውድዳር ዘይኮነ ምትሕግጋዝ ዝዓሰሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምህናጽ፣ ሶማል ካብዚ ዘላቶ ዓዘቕቲ ወጽያ ነቲ ዞባ ሸኸም ዘይኮነት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዓባይ ሓገዝን ጎንን ክትከውን ዘሎ ዓቢ ተኽእሎ ኣብ ምትግባር እዚ ዝካየድ ዘሎ ርክባት ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares