News Tigrinya

ኢትዮጵያ ሰራዊት ካብ ዘካራኸረ መርየት ትወጽእ ኣላ

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል

 

 

 

 

ኢትዮጵያ ሰራዊት ካብ ዘካራኸረ መርየት ዶብ ምስ ኤርትራ ብመሰረት ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትስሕብ ከም ዘላ ብወግዒ ኣፍሊጣ። እዚ ስጉምቲ ሕጂ ብውግዒ ይትግበር ይሃሉ እምበር ኣብ ናይ ወግዓዊ ምኽፋት ናይ ዶብ ዛላምበሳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ሰራዊት ናብ ቦቱኡ ከምዝመልሶ ኣፍሊጡ ኔሩ።

እዚ ስጉምቲ ዘብርሆ ነገር እንተሃልዩ ን27 ዓመታት ንኹሉ ትካላት እንከላይ ወተሃደራውን ጸጥታዊን ዓብሊሉ ሒዙ ዝነበረ ስርዓት ህወሓት ብዕዉት ቅርጻዊ ለውጥታት ጠቕላላ ይሕግሐግ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ። ከም ድዝከር ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ደብረጽየን ካብ ዶብ ዝወጽእ ሰራዊት ከምዘየለ ብፈኸራ ገሉጹ ኔሩ።

ብተወሳኺ እዚ ንናይ ፖለቲካ ነጋዶን ኣንጻር ልዕላውነት ኤርትራ ምስ ወያነ ን20 ዓመታት ዝወገኑን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ተጣበቅቲ ልዕላውነት ኤርትራ ዝተቀየሩ ናብ ዝገደደ ሰንፈላልን ጽላለን ዘምርሕ እዩ።

እዚ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ነዚ ሲዒቡ ዝመጽእ ምምልካት ዶብ ባይታ ዘንጽፍ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares