Tigrinya

ምህዳን ንሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝራግ ዝርከቡ መራሕቲ ሕወሓት ተጀሚሩ

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 25 ጥቅምቲ 2018

 

 

ኣብዚ መሪሕነት ህወሓት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓቢኡ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዓስል ጀሚሩ ዘሎ ሰላም ንምዝራግ ንጡፍ ተጻብኦ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፣ ማይክ ኮፍማን ዝተባህለ ኣባል ኮንግረስ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ስለያ ናይ ህውሓት ጌታቸው ኣሰፋ ኣህጉራዊ እገዳ ክግበር ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ናብ ክልተ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ዝጻሓፎ ደብዳበ ብናይ ጌታቸው ኣስፋ ተግባራትን ክእለታትን ዓቢ ሻቕሎት ከምዘለዎን፣ ብዝፈጾሞም ማእለያ ዘይብሉ ገበናትን፣  እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ብህወሓት ንጌታቸው ተዋሂብዎ ዘሎ ስልጣን ማህሰይቲ ከውርድ ንኽቕጽል ዕድል ከምዝህቦ ገሉጹ።

ኮንግረስ ማን ማይክ ምኽንያት ናይ ኣድላይነት ናይዚ ኣህጉራዊ እገዳ ክገልጽ እንከሎ፣ ጌታቸው ኣሰፋ ብዝገበሮ ገበናት ኣብ ናይ  ኢትዮጵያ ቤት ፍርዲ ከይሕተት ናይ ምጉሳይ መንገዲ ሒዝዎ ዘሎ ምዃኑ ገሊጹ። ኮንግረስ ማን ማይክ ብተወሳኪ ኣብ ልዕሊ መሳርሕቲ ናይ ጌታቸው ኣሰፋ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክውሰድ ጻዊዕት ኣቕሪቡ።

እዚ ኣብ 2016 ኣብ ኣመሪካ ዝጸደቐ ማግኒትስካይ ዝተባህለ ሕጊ ንፕረሲደንት ናይ ኣመሪካ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ናይ ካልኦት ሃገራት ክገብር ዘኽእል ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ንጌታቸው ኣሰፋ ታርጌት ምግባር ኣመሪካ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢላ ከምዘላን ድኾነ ሰብ ገበን ፈጺሙ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ከርኢ ከምዝኽእል ገሊጹ።

መሪሕነት ህዋሓት በቲ ሓደ ወገን ምስሉይ ናይ ሰላም ቃላት እንዳተጠቀመ፣  ኣብ ተግባር ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊን ህውከትን ኣብ ምውላዕ ተጸሚዱ ይርከብ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ድዘርገሖ ናይ ሰላም ኢድ ከም ኣብነት ዶብ ምኽፋት ኣህዛብ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ርክባቶም ናብ ንቡር ክመልሱ ዝወሰዶ ዓቢ ስጉምቲ፣ መራሕቲ ህዋሓት  ኣክንዲ ኣውንታዊ ግብረ መልሲ፣ ቀጻሊ ተጻብኦታት የካይዱ ኣለዉ። ብኸቢድ ገበን ዝሕተቱ ውልቀሰባት ከም ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ሓላፍነት ምምጻእን፣ ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንምዕንቃፍ ተጻብኦታት ይቅጽሉ ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ናብርኡ ከመሓይሽ ብዘይ ገለ ጸገም ብሰላም ካብ ሃገሩ ንኤርትራ እንዳተመላለሰ፣ ብወገን መራሕቲ ሕወሓት ግን ትግራይ መአከቢ ናይ መንግስቲ ምቕያር ኣብ ኤርትራ ኣጀንዳ ዝዓጠቑን ኣንጻር ኤርትራ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ጌርዋ ይርከብ።

እዚ ኣብ ኣመሪካ ተበጊሱ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ምህዳን ኣብ ምዝራግ ናይ ሰላም ተጸሞዶም ዘለዉ መራሕቲ ናይ ህወሓት ዘብርሆ እንተሃልዩ ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝራግ ተጸሚዶም ዘለው ባእታታት ዝመጾም ብድሆታት ቀሊል ከምዘይምዃኑ እዩ። ግን እዞም ንውልቃዊ ረበሓታቶም ብዋጋ ረበሓ ህዝቢ ትግራይ ዝጣልዑ ዘለው ባእታታት ናይ ምምካት  ልዕሊ ኹሉ ሓላፍነት ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኣብዚ ህወሓት ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ህውከት ብዝሰፈሐ ኣብ ዝመጽእ መደብና ሒዝና ክንቀርብ ኢና።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares