Tigrinya

ዓቢ ምዕባለ – ጌታቸው ኣሰፋ ናይ ወያነ ናይ ስለያ ሓላፊ ክእሰር ትእዛዝ ተሓላሊፉ

21 ነሓሰ 2018 ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል

ናይ ኢትዮጵያ ቤት ፍርዲ ንጌታቸው ኣሰፋ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ናይ ኢትዮጵያ ሓላፊ ዝነበረ  ንኽእሰር ትእዛዝ ከምዘተሓላለፈን ናብ ሱዳን ከምዝሃደመን ኢሳት ቲቪ ገሊጻ። ብተወሳኺ ጌታቸው ኣብ መቐለ ሆቴል ከምዝቐነየን ብሓገዝ ናይ ፖሊስ ናይቲ ኸባቢ ንሱዳን ንኽሃድም ከምዝሓገዝዎ ገሊጾም።

እዚ ትእዛዝ ምእሳር ናይ’ዚ ናይ ወያነ ዝለዓለ ናይ ስለያ ሓላፊ ዓቢን ኣገዳሲን ምዕባለ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ደሎ ለውጢ እዩ። ድሕሪ ምምጻእ ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ እሕመድ ናብ ስልጣን፣ ነዊሕ ከይጸነሐ ናይ ወያነ መራሕቲ ነቲ ለውጢ ንምዕንቃፍ ዝተፈላለየ ምንቅስቃሳትን ናይ ዘለፋ ጎስጓሳት ኣብ ልዕሊ ቀዳምይ ሚንስተር ከካይዱ ጸኒሖም።

ብተወሳኺ ነቲ ቀዳምይ ሚንስተርን ናይ ኢሂወደግ ፈጻሚ ኣካልን ዝወሰድዎ ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ምቕባልን ምትግባር ናይ ዶብ ብይን፣ ሕዋሓት በቲ ሓደ ወገን መዝሙር ሰላም እንዳ ዘመረ፣ በቲ ኻልእ ድማ ዕንቅፋትን ቅድመ ኹነትን ክገብር ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሰላም ንፋስ ናብ ሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቓ ክነፍሰሉ ዝጅምር ደሎ፣ መራሕቲ ወያነን ኣብዚ 27 ዓመታት ተጠቀምቲ ኮይኖም ዝጸንሑን ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ንህዝቢ ትግራይ ጅሆ ንምሓዝ ዝተፈላለየ ጎስጓሳት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares