Tigrinya

ሓዲሽ ክውንነት ምውሓጥ ዝኣበዮ መንግስቲ ሆላንድ እግዳ ንኸይልዓል ምስምስ የምጽእ ኣሎ።

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 06 ሕዳር 2018

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳ ንምልዓሉ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፣ ናይ ነዘርላንድስ / ሆላንድ ሰብ መዚ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እገዳ ምልዓል ብጋዜጠኛታት ምስ ተሓተቱ መንግስቶም  ነቲ እገዳ ዘስዓበ ምኽንያታት ሓደ በሓደ ክርኣይ ከምዘለዎን ብፍላይ ድማ  2 % ኤርትራ ንዜጋታት ተኽፍሎ ከም ሓደ ኣትቢቕካ ክርኣይ ኣልዎ ዝብል መርገጺ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ሆላንድ ሓንቲ ካብተን ከቢድ ተጻብኦ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከካይዳ ዝጸነሓ ሃገራት እያ። እተን ካልኦት ዓበይትን ኣገደስትን ሃገራት ናይ እገዳ መርገጺኤን ኣብ ዝቐየራሉ እዋን፣ ሆላንድ ምዚ ኤርትራ ሲዒራ ዝወጻትሉ  ዓቢ ዞባዊ ለውጢ ሓድሽ ክውንነት ንምቕያርን ምውሓጡን ጸገማት ይገብረላ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።

ናይ ሆላንድ ተጻብኦ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብፍላይ ከኣኒ ኣብ ሆላድ ዝነብር ሕብረተሰብ ኤርትራ ዉዳቡኡን ሞራልን ንምስባር ቡዙሕ ጻዕርታት ገለ ውን ብደረጃ መንግስቲ ትጽቢት ዘይግበረሎምን ዘሕፍሩን ተግባራት ፈጺማ እያ።

ብስም መጽናዕታዊ ጽሑፋት ድራማዊን ኣብ ሓሶት ዝተሞርኮሰ ታሪኻት ብምስናዕ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ምጥቃንን ንክልተ ፐርሰንት ክፍሊት መንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊን ምፍርራሕን ከምዘኽፍል ዝብሉ ልዕሊ ሚእቲ ገጻት ዘለዎ ሰነድ ተዳልዩ ናብ ፓርላማ ከምዝቐርብ ተጌሩ። ነዚ ክሰርሑ ሚልዮናት ምወላ ዝተገበረሎም ባእታት ስሞም ብሱትር ከምዝተሓዝ ተጌሩ። ብመንግስታዊ ደረጃ ንጥፈታት ናይ ኮሚኒቲ ምዕንቃፍ ሓደ ካብዚኦም ኮንፈረንስ ናይ መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ኔሩ።

ብተወሳኺ  ብመራኸቢ ቡዙሓን ናይቲ ሃገርን ሚርያም ትብሃል ሰብን ዝተወደብ ድራማ ሓደ ዕሱብ ኤርትራዊ ናብ ቤት ጽሕፈት ብምላኣኽ ኤርትራ ክልተ ፐርሰንት ብሓይሊ ተኽፍል እያ ተባሂሉ ብዘየ ገለ መርትዖ መንግስቲ ሆላንድ ምስጓግ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማሰኛ ስጉምቲ ወሲዱ።

ሆላንድ ነዚ ንዕለት 14 ናይዚ ወርሒ ንእገዳ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምልዓል ንድፊ ቀሪቡ ዘሎ ንምዕንቃፍ ናይ ቪቶ ሓይሊ ስለዘይብላ ወሳንነት ዘለዋ ሃገር ኣይኮነትን። ብተወሳኺ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ሃገራት እንከላይ ኣመሪካ ትርከበን ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዜጋታትን ቀረጽ የኽፍላ እየን። ወለሓንቲ ዘይሕጋውነት ከምዘይብሉ’ውን ባዕሎም መንግስታውያን ትካላት ናይ ምዕራብ ዝተዛረብሉ ጉዳይ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares