Tigrinya

ካቢነት ሚንስተራት ኤርትራ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 29 መስከረም 2018

ናይ ኤርትራ ካቢነት ሚንስተራት ኣኼባ የካይድ ኣሎ። ኣብ ናይ ሎሚ ንግሆ ኣኼብኡ ብዛዕባ ሓዲሽ ክውንነት ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ስምምዕን፣ ሰፊሕ ስትራተጂካዊ ዞባዊ ሽርክነትን ሰፊሕ ዝርርብ ኣካይዱ።

ኣብ ናይ ዞባዊ ጉዳያ ብዝምልከት እቶም ሓሙሽተ ንዞባዊ ሽርክነት ዝመርሑ ኣዕኑድ – i) ናይ ነንሕድሕድ ልእላውነት ምክብባር፤   ii) ንጹር ቅጥዒ ኣብ ናይ ሓባር ረበሓታት፤ iii) ምንጻግ ናይ ጎዳእቲ ናይ ግዳም ኣጀንዳ፤ iv) ምቹእ ዞባዊ ኩነታት / ክሊማ ፤ v) ድምር ስራሕ ናይ ጽላታት፤ ምዃኖም ዳግማይ ከምዝገለጸ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

በዚ መሰረት ካቢነት ብዛዕባ ምሕዳስን ምስፋሕን ወደብ፣ ናይ መንገድን ጸዓትን፣ ኣሰራርዓ ኢንዳስትርያዊን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ነገራት ዘተ ከምዘካየደ ተግርሊጹ። ናይዞም ፕሮጀክትታት ውጥን እንከላይ ናይ ምወላ ይስርሓሎም ከምዘሎን ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ድዛዘም ተገሊጹ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares