Tigrinya

ናይ 2018 ናይ ዓለም ሰላም መዓልቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ክውፈ ኣለዎ ትብል ተሸላሚት ናይ ኖብል

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 23 መስከረም 2018

ናይ ሰላም ኖብል ተሸላሚት ዝኮነት ለይማህ ግቦዊ ዝተባህለት ውርይቲ ላይበርያዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝወሰደኦ ስጉምቲ ንሰላም ናይ 2018 ናይ ዓለም መዓልቲ ሰላም ብስም ክልቲኤን ሃገራት ክውፈ ኣለዎ ክትብል ጺሒፋ።

“ኣብዚ ናይ ዓለም ናይ ሰላም መዓልቲ ነብዕለሉ ዘለና መዓልቲ፣ ጸሎተይ ዓለምና ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ናብ ናይ ዓለም ሰላም እንዳቐረበት ክትቅጽል እዩ። እዛ መዓልቲ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትውፈ ኣለዋ፣  ንፖለቲካዊ ፍልልያተን ንጎኒ ገፊዲፈንን ደፊረንን ሰላም ኣብ መንጎአን ብምምላሰን” ብምባል ክልቲኤን ሃገራት ብዝገበረኦ ኣፍልጦ ክወሃበን ከምዝግበአን ገሊጻ።

ለይማህ ኣብ ላይበርያ ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ሓድሕድ ኩናት ጠጠው ኣብ ምባል ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ምንቅሳቃምቓስ ናይ ደቒ ኣንስትዮ ዝመረሐት ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዝረኸበት ሰብ እያ። እዚ ምንቅስቓስ ኣስላምን ክርስትያንን ደቅ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ነቲ ኩናት ጠጠው ኣብ ምባል ዓቢ ተራ ዝተጻወተ እዩ። ብተወሳኺ እዛ ንሰላም ተቓላሲትን፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛን፣ ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ዝነጠፈት፣ ናይ ኖብል ተሸላሚት ኣብ ኣጉራዊ ደረጃ ብፍላይ ከኣ ኣፍሪቃ ቡዙሕ ንጥፈታት ብምክያድ ትፍለጥ ሰብ እያ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares