Tigrinya Videos

ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ኦክስፋም ድሕሪ ሓደጋ ምንቅጥቃት መሬት ኣብ ዝምዉና  ተጸሚዶም ከምዝነበሩ ተቃሊዑ። 

 

ኦክስፋም ዝተባህለ ናይ ግብረ ሰናይ ውድብ ንግዳይት  ምንቅጥቃጥ ምሬት ናይ ሀይቲ ንኽረድኡ ኣብ 2011 ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፣ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን  ኣብ ዝምዉና እንከላይ ምስ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ተጸሚዶም ከምዝነበሩ ተቃሊዑ።

ብተወሳኺ እዚ ከምዚ ዓይነትን ካልእ ዓመጻትን ኣብ ኦክስፋም ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ብዙሓት ናይ ግብረ ሰናይ ውድባት ብሰፊሕ የጋጥም ከምዃኑ ተሓቢሩ።

 


ኣብዚ ኣሸሓት ዝቐዘፍን፣ ሚልዮናት ዘፋናቐለን፣ ናይ ምሬት ምንቅጥቃጥ ተባሂሉ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተዋአ ልዕሊ 10 ቢልዮን ገንዘብ፤ እቲ ድበዘሐ ናብ ግዳይት ኣብ ምሕጋዝ ከምዘይወዓለ ዓቢ ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ጸኒሑሎ። ንአብነት ናይ ኣመሪካ ቀይሕ መስቀል ካብቲ ልዕሊ ፍርቂ ብልዮን ዛኣከቦ ገንዘብ 6 ቀወምቲ ገዛውቲ ጥራይ ከምዝሰረሐ ተቓሊዑ።

እዚ ከም ሳልሳይ ሰክተር ተባሂሉ ዝግለጽ ዓቢ ቁጠባዊ ክፋል ናይ ግብረ ሰነይ ውዳበ፣ መብዘሕትኡ ብመንግስታትን፣ ካብ ህዝቢን፣ ዝረኽብዎ ገንዘብ፣ ናብቲ ቀንዲ ዕላማ ምሕጋዝ ግዳያት ከምዘይውዕል ብተደጋጋሚ ዝተኻየዱ መርመራዊ መጽናዕትታት ክሕብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።

ሓንቲ ካብተን ዝኸፈኣ  ዝበሃላ ናይ ግብረ ሰናይ ውድባት መጠንቀቕታ ብናይ ቻሪት ኮሚሽን ናይ ዓባይ ብርጣንያ  ዝተውሃባ፤  3% ካብ ኣታዊኣ ጥራይ ኣብ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ከተውዕሎ ኸላ፣ 97% ኣብ ካልእ ወጻኢታት ኣጥፊኣቶ።

ነዚ ንምእራም ንዶሞዝን ምምሕዳርን ዝወጽእ ገንዘብ ደረት ዝገብር ሕግታት ንክወጽእ ብቐጻሊ ጻዊዒታት ክቐርብ ጸኒሑ ኣሎ።

ኤርትራ ነዚ ዝምልከት ናይ ዘይመንግታውያን ውድባት ምምሕዳር ዝብል ኣዋጅ ቁጽሪ 145/2005 ኣለዋ። እዚ 14 ዓንቀጻት ዘለዎ ኣዋጅ ዝርዝራዊ ሓላፍነትን ንጥፈታትን ናይ መንግስትን ዘይመንግስታዊ ውድባት ዘነጽር፣ እንከላይ ኣብ ንስራሕ መካየዲ ዝውዕል ሓፈሻዊ ወጻኢ ልዕሊ 10% ክሓልፍ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ዓንቀጽ ዘጠቓለለ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares