News Tigrinya

ጋዜጣዊ መግለጺ – ብዛዕባና ምሳና ተዛረቡ – ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ

ጋዜጣዊ መግለጺ
ብዛዕባና ምሳና ተዛረቡ

ዕለት፡ 13 መጋቢት 2018

ኣብ ዕለት 13 መጋቢት 2018፡ ኤርትራውያን ሆላንዳውያን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ደን ሃኽ ዝርከብ ቤት
ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ሃገረ ኔዘርላንድ ተረኺቦም ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ እዮም።

እዚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብተበግሶ ውዳበን ኤርትራውያን ሆላንዳውያን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዕላማ ናይ’ዚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ  ኤርትራውያን ሆላንዳውያን ቀጻሊ ክኽተሎ ዝጸንሐ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ተቓውሞ ንምግሊጽ እዩ።

ንኤርትራውያን ሆላንዳውያን ዝምልከቱ ዘይፍትሓውያን ፖሊሲታትን ውሳነታትን መንግስቲ  ሃገረ ኔዘርላንድ፡ መብዝሕትኡ ግዜ ኣብ በይናዊ፡ ጭብጢ ኣልቦን ተደጋጊሙ ዝምስራሕ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጠቐነታት ዝተሞርከሰ እዩ። ምንጪ ናይ’ዞም ጠቐነታት፡ በሓፈሻ ስም ኣልቦ ወይ ድማ እቶም ንገዛእ ርእሶም ከም “ፈላጣት” ዝሾሙ ባእታታት እዮም።

ብሰንኪ እዚ ቀጻሉ ጠቐነታት፡ ኤርትራውያን ሆላንዳውያን፡ ኣብ’ቲ ንዕኦም ዝምልከት ጉዳያት ድምጺ ከምዘይህልዎምን ከምዝግለሉን ኮይኖም እዮም።
በዚ መሰረት፡ ኤርትራውያን ሆላንዳውያን፡ ብመሰረት ቅዋም፡ ናይ ማዕርነት መሰሎም ከኽብረሎምን
ንጉዳዮም ዝምልከቱ ፖሊሲታትን ውሳኔታትን ኣብ ዝሕንጽጸሉ እዋን ድማ ዛይሻራዊ፡ ርትዓውን
ኣሳታፍን ኣገባብ ኣሰራርሓ ክኽተል ንመንግስቲ ሃገረ ኔዘርላንድ ምሕጽንትኦም የቕርቡ። እዚ፡ ኣብ
ክንዲ ብዛዕባ ኤርትርውያን በይንኻ ምዝራብ፡ ዝያዳ ምስ ኤርትራውያን ብምልዛብ ክዉን ክኸውን ይኽእል።

ነዚ ዝካየድ ሰሊማዊ ሰልፊ ወይ ዕላምኡ ዝምልከት ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ብመንገዲ
comiteeritresedemonstratie@outlook.comኢሜይልብምልኣኽክትውከሱትኽእለ።
ኣዋሃሃዲት ሰለማዊ ሰልፊ
ሃገረ ኔዘርላንድ

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares