News Tigrinya

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ናይ ኤርትራ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሃናጺ ጽምዶ ከምዝሰደድ ገሊጹ።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ናይ ኤርትራ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሃናጺ ጽምዶ ከምዝሰደድ ገሊጹ።

እዚ ስጉምቲ ድሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ኣውንታዊ ስጉምቲ ናይ ምሉእ ብሙሉእ ምቅባልን ምትግባርን ሕጋዊ ብይን ናይ ኣልጀረስን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ብንጹር መንገዲ ኣብ ፓርላማ ዝሃቦ መግለጺን እዩ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሰናይ ምላሽ ዝህብ ዘሎ።

እዚ ስጉምቲ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵይን ብሰላም ከይነብር ዕንቅፋት ኮይኖም ዝጸንሑን፣ ብዘራያት ተሓጊዞም ንኤርትራ ከም ሃገር ኣዳኺሞም ክፍንጥሑ ዘይተኣደነ ሽርሕታት ከካይዱ ዝጸንሑ ናይ ፖለቲካዊ ጽወተኦም ዘብቕዕ እዩ።

በዚ መሰረተ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ መጽዩ ዘሎ ለውጢ ኤርትራ ስትራተጂካዊ ተራን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈትሉን እምበር ካብ ማና ዝወረደ ኣይኮነን። ሕጂ ድማ እዚ ሓዲሽ መራሒ ናይ ኤርትራ ብዛዕባ ናይ ዞባዊ ርክባት ዝገለጾ ራኢ ካብቲ ኣብ 1991 ህዝባዊ ግንባር ሒዝዎ ከተግብሮ ዝተበገሰ ራኢ ብሓንከርቲ ዝተዓንቀፈ ሓደ ስለዝኾነ፣ እቲ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣብ ነፍስወከፍ ቃለ መሕተት ዝገበሮ ዝብሎ ነዚ ራኢ ዋላ ዕንቅፋት የጋጥሞ ግን ክንሰርሓሉን ክንዕወተሉን ከሙዃናን ካልእዉን ኣማራጺ ከምዘየለን ዝገለጾ ብተግባር ግዝዩ ኣኺሉ እቲ ግዕዞ ዳግማይ ብሓድሽ ምዕራፍ ክጅመር እዩ።

እዚ ኣንፈት ናይ ሓድሽ ምዕራፍ በቲ ፕረሲደንት ኢስያስ ጸወታ ኣብቂዑ እዩ (Game over) ብምባል ድሕሪ ምብሳሩ ኣብ ሓጺር ግዝየ ክንድዚ ዓቢ ለውጥታት ምምጽኡ ናይዚ ምዕባለታት ኣንፈት ዝሕብር እዩ።

እዚ ሓድሽ ጉዕዞ ምዕራፍ ንሓንከርቲ ሰላም ብሰናይ ምትሕብባር ናይ ክልቲኤን ሃገራት መሪሕነት ብጥንቃቐ ምዕዛቦምን ምምኻቶምን ከድሊ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares