News Tigrinya

ናይ ካቶሊክ ጳጳስ ፍራንሲስ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ተበግሶ ብርሃን ክውልዕ ተስፍኡ ገሊጹ።

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 01 ሓምለ 2018

ናይ ካቶሊክ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ናይ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰየንት ፒተርስ ስኬር ዝገበሮ ናይ ኣመንቲ ምትእኽካብ ዘረባ፣ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዕስራ ዓመት ዝመጸ  ናይ ሰላም   ተበግሶ ንኽልቲኤን ሃገራትን፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ንሙሉእ ኣፍሪቓን፣ ብርሃን ክውልዕ ተስፍኡ ገሊጹ። “ኣብ ማእከል ኣዝዩ ቡዙሕ ግጭታት፣  ታሪኻዊ ክበሃል ዝከኣል ተበግሶ ምጥቃሱ ሓላፍነትካ ብጉቡእ ምፍጻም እዩ” ብምባል ገሊጹ።

 

 

እዚ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት ኣንፈት ናይዚ ሓድሽ ምዕራፍ በቲ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ጸወታ ናይቲ ከቢድ ዕልቅልቅ ዝፈጠረ ስርዓት ኣብቂዑ እዩ (Game over) ብምባል ድሕሪ ምብሳሩ፤ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ መጽዩ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘየ ገለ ቅድመ ኹነትን ምሉእ ብሙሉእ ምቅባልን፣ ምትግባርን ናይ ሕጋዊ ብይን ናይ ኣልጀረስን፣ ዝወሰዶ ስጉምቲን፣ ሲዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ብንጹር መንገዲ ኣብ ፓርላማ ዝሃቦ መግለጺን፣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ብመልክዕ ልኡኽ ምስዳድ ዝተዋህበ ሰናይ መልሲ፣ መንግስታት ናይ ቡዙሓት ሃገራትን ኣሁጉራውያን ዉድባትን ናይ ዮሃና መልእኽቲታት ክሰዱ ጸኒሖም ኣለው። ናይ ጳጳስ ፍራንሲስ ድማ ናይዚ ኣገዳሲ መልእኽታት መቀጸልታ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares