News Tigrinya

ዝርዝር ፕሮግራም ኣማኢት ኣሸሓት ህዝቢ ዝሳተፎ ናይ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ተዋሂቡ።

 

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 13 ሓምለ 2018

ዝርዝር ፕሮግራም ናይ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ተዋሂቡ። ፕረሲደንት ኢስያስ ብዱሙቕ ኣገባብ ንምቅባል ብኹሉ መኣዝናት እንከላይ ጉዳይ ጸጥታ ምቅርራብ ተጌሩ ከምዘሎ መንግስቲ ኡትዮጵያ ሓቢሩ።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ መዕርፎ ነፈርቲ ምስበጸሓ ብዱሙቕ ኣቀባብላ ናይ ህዝቢ ካብ ቦልዮ መዕርፎ ነፈርቲ ስጋብ ቤተመንግስቲ ክግበረሉ እዩ። ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ናይ ኦሮሞ ቦታት ህዝቢ ዓቢን ድሙቕን ኣቀባብላ ክገብረሉ እዩ።

ኣብ ቤተመንግስቲ ናይ ምሳሕ ዕድመ ምስተኻየደ፣ ናብ ኣዋሳ ካብ ኣዲስ ኣበባ 273 ኪሎሜትር ሪሒቃ ትርከብ ከተማ ክጓዓዝ እዩ። ኣብዚ’ውን ህዝቢ ናይቲ ከተማ ዓቢ ኣቀባብላ ክግበረሉ እዩ። ናይታ ከተማ ናይ ኢንዳስትርያል ፓርክ ዝበሃል ቦታ ክበጽሕ እዩ።  ኣብቲ ከተማ ባህላዊ ምርኢት ናይ ደቡብ ኣህዛብ ምርኢት ንክብሪ ፕረሲደንት ከቕርቡ እዮም።

ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ዑደቱ፣ ኣብ መለንዮም ሆል ዝበሃል 25 ሽሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ዓቢ በዓል ክካየድ እዩ። ኣብዚ ዓቢ ናይ ሙዚቃ ምርኢታት ነዚ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ኩናትን ክውከትን ምብቓዕን ምምጻእ ሰናይ ዘመን ሰላምን ምዕባለን ብምትሕብባርን ሰናይ ጉርብትናን ዘንጸባርቅ ክኻየድ እዩ። ኣብዚ ቦታ መራሕቲ ናይ ክልቲኤትን ሃገራት ዘተ ከምዘካይዱን ተሓቢሩ። ብድሕሪ’ዚ ክቡር ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ምስ ብጾቱ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዩም። ሰናይ መንገዲ!

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares