Tigrinya

ዓቢ ስጉምቲ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ኣህዛብን ምምልካት ዶብን- ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስትር አብይን ዛላምበሳ ኣትዮም።

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 11 መስከረም 2018

ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስትር አብይን ዛላምበሳ በዓል ሓዲሽ ዓመት ናይ ግእዝ ከብዕሉ ኣትዮም። በዚ ኣጋጣሚ ዶብ ናይ ዛላምበሳን ቡሬን ብወግዒ ተኸፊቱ። ኣብዚ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ደብረጽየንን ካልኦት ዓበይቲ ሓለፍቲ ተረኺቦም። 

እዚን ዝተኻየዱ ርክባት ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ሰራዊት ናይ ክልቲኤን ሃገራትን ነዚ ሲዒቡ ዝመጸ ናይ ሓባር ባዓል ናይ ሰራዊትን ህዝብን መራሕትን ዓቢ ስጉምቲ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ እዩ።

እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝጸነሐ ናይ ፖለቲካ ዳያናሚክስ ወይ ናይ ፖከቲካ ምልውዋጥ ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ። እቶም ክፋል መራሕቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ሽርሒን ምንጻልን ይካየድ ከምዘሎን፣ ንህዝቢ ከስንብዱን ጅሆ ክሕዙን ክፍትኑ ዝጸንሑን፣ ሓቅነት ከምዘይብሉ ዘረጋግጽን፣ እቲ ዝድለ ንኹሉ ኣህዛብ ኪኖ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሙሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ናይ ዘመነ ሰላምን ምዕባለን ምትሕብባርን ምህናጽ ምዃኑ ዘነጽር እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ እዚ መስርሕ ነቲ ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ መንገዲ ዝጸርግ ዓቢ ስጉምቲ እዩ። ብተወሳኺ ወግዓዊ ምኽፋት ናይ ዶብ  ነቲ ዝድለ ናይ ንግድን መጓዓዝያ ምንቕስቃስ ንቁጠባ ናይ ክልቲኡ ሃገራትን ናይ ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ኣሕዛብ ኣብ ምምሕያሽ ዓቢ ስጉምቲ እዩ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares