News Tigrinya

መንግስቲ ቱርኪ ንኤርትራዊ ኣልዓማ ሊክ ዝበሃል እስላማዊ ውድብ ብወግዒ ክሕግዝ ጀሚሩ።

 

 

 

 

ፕረሲደንት ናይ ቱርኪ ንኤርትራዊ ኣልዓማ ሊክ ዝበሃል እስላማዊ ውድብ ብወግዒ ክሕግዝ ጀሚሩ። ብዕለት ሓሙሽተ ናይዚ ሓድሽ ዓመት ላዕለዋይ በዓል ስልጣንን ናይ መንግስቲ ቱርኪ ፖሊሲ ኣብ ናይ ዓረብን እስላማዊ ክፋል ዓለምን ኣብ ምሕንጻጽ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝፍለዝጥ ያሲን ኣክታይ ዝተባህለ ቀንዲ ኣማኻሪ ናይቲ መንግስቲ ሰልፊ ኣብዚ  ናይ ምምራቕ ቤት ጽሕፈት ምኽፋት ዝተኻየደ ጽንብል ተሳቲፉ።

ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከምዝሕብሮኦ እዚ ናይ ኤርትራ እስላማዊ ዝበሃል ዘሎ ውድብ ብመንግስቲ ቱርኪ ከምዝሕገዘን፣ ናይዚ ውድብ ፕረሲደንት ሸኽ ብርሃን ሲዕድ ኣብ 2017 ኣብ እስታምቡል ምብጻሕ ከምዘካየደን ምስ ኣብ ዉዱብ ሕቡራት ብምስግጋር ኣጽዋር ናብ ሶርያን ሊብያን ዝኽሰስ ናይ ግብረ ሰpናይ ውድብ ኣይኤችኤች ዝብሃል ከምዝተራኸበ ሓቢረን። እዚ ውድብ ብስም ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዝሰርሕ ደኣ ይኹን እምበር ምስ ናይ ጸጥታ መንግስቲ ቱርኪ ብጥቡቕ ከምዝሰርሕን በቲ መንግስቲ ከምዝድገፍን ይግለጽ።

ቱርኪ ኣብ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ተዘይኮይኑ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራ ዘይጸነሓ ሃገር እኳ ተኾነት፣ እዚ ዘሎ እስላማዊ ዝሰረቱ ውድብን መሪሕነት ናይታ ሃገር ቁጠባውን ብእስላማዊ ሕውነት ዝፍለጥ ስነሓሳብን ዉዳበን ኣብ ቡዙሓት ሃገራት እንከላይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከብ።

ቱርኪ ከምዚ ዓይነት ዕንደራ ንምክያድ ቁጠባዊ ይኹን ካልእ ዓቕምታታ ከመይ ይመስል ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ እዃ ተኾነ፣ ብምስፍህፋሕን ኢድ ምእታው ናይ ባዕዳውያን ንዘመናት  ኣብ ዕልቕልቕ ዝጸነሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ሕልምን ዕንደራን ናይ ቱርኪ ኣይመድለዮን። መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ዞብኡ ዘሎ ቅልውላው ኣተክሮ ምግባር ምሓሾ። ብተወሳኺ እዚ ሒዝዎ ዘሎ  ኣጀንዳ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዉዱቕ ምዃኑ ታሪኽ ናይቶም ካልኦት ቅድሚኡ ዝፈተኑን ኣቛውማ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ እንተተወኺሱ ካብ ክሳራታት ክድሕን ይኽእል እዩ።

ነዚ ብዝምልከት ሚኒስተር ናይ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ከምዚ ዓይነት ኣጀንዳን ኣብ መንገዲ ዘሎ ሕልሚ ኣብቲ ክፋል ዓለም ኣብ ቱርኪ ዝተሓጽረን ሓድሽን ከምዘይኮነን መንግስቲ ኤርትራ ብብዑቅ መንገድታት ኣድላዪ ስጉምቲ ከወስድ ከምዝጸነሐን ከምዝቕጽል ኣብ ትዊተር ዝጻሓፎ ገሊጹ።

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares