Tigrinya

ወያነ ጥፍኣቱ ከምዝኣኸለ ዝሕብር ሰነድ ኣውጽ’ዩ

ወያነ ኣብ ዝኸፈአ ታኼላን ደልሃመትን ኣትዩ ከምዘሎ  ብቁሉዕ ዘርእይ ሰነድ ኣውጺኡ። እዚ ወያነ ባዕሉ ነጥበ መቐይሮ ውይ turning point ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ  ንወያነ ኣብ ጉሓፍ ናይ ታሪኽ ዝቀብር ምዕባለ እዩ።

ወያነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብዝስጎግ ኣትሒዙ፣ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ኣዋፊሩ ብኢድ ካልኦት ዕግርግር ምፍጣርን ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ከይመጽእ ክሰርሕ ዘኒሑን ኣሎን፣ ካልኣይ ናብ ኤርትራ ዘድሃበ ሚልዮናት ገንዘብ ኣውፊሩ ብዝተፈላለይ መንገዲ ዕግርግር ምፍጣር ቡዙሕ ፍሹል ፈተንታት ከካይድ ጸኒሑ፣ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እዚ ዝተሳዕረ ሓይሊ ብቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጣሊዑ ከብቅዕ ሕጂ ከምዘይተሳዕረን ክስዕር ከምዝኽእልን፣ ምጥፋእ ናይዚ ጉጂለ ምጥፋእ ናይ ህዝቢ ትግራይ ከምዃኑ ንህዝቢ ንምእማን ክሰርሕ ጸኒሑ። ግን ኣብ ጸወትኡ ዘብቀዐ ኩነታት ዘካይዶ ጸወታታት ዝገበረ ተገበረ ንዕኡ ተመሊሱ ስለዝወቅዖ፣ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ እንዳተጋላበጠ ሓንሳብ ሓላዪን መልኣኽን ናይ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ይኸውን፣ ግልብጥ ኢሉ ድማ ኢትዮጵያ ጸላኢት ብምዃና ናይ ትግራይ ምግንጻል ይሰብኽ፣ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ዘድመዮ ህዝቢ ኤርትራ ኣሕዋትና እንዳበለ ለይትን ምዓልትን ይዝምር። እዚ ኹሉ ጉርሕን ሽርሕን ዝሰረቱ ናይ ወያነ ስልቲ ከይተበገሰ ዝፈሸለ ግዝያዊን ንበይኑ ዝጻወቶ ሓሸውየን’ዩ። 

 እዚ 43 ገጻት ዘለዎ ጽሑፍ ኣብ ዓቢ ጉዳይ ወያነ’ውን ከም ነጥበ መቐይሮ  ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ ነቲ ወያነ ዝመስረቶን ዝቆጻጸሮን ዝነበረ ዓሌታዊ ወይ ብመንነት ዝተሃንጸ ኣወዳድባ ኢሂወደግ ናብ ሓደ ዉሁድ ሰልፊ ንምቕያሩ ብዶክትር ኣቢ ዝምራሕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘካይዶ ደሎ ስርሓት ተቃዉምኡ ንምግላጽን ከመይ ጌሩ ከምዝቃለሶ ዝገልጽ  ሰነድ እዩ። 

ወያነ ምኽንያት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ክገልጽ ከሎ ነቲ ኣብቲ ሃገር ባዕሉ ዝፈጠሮ መሰረታዊ ጸገማት ሸፊኑ ብኽያት ዝመለኦን በቲ ሓደ ወገን ንነብሱ ከም ግዳይ እንዳቕረበ በቲ ካልእ ድማ እዚ ዶክተር ኣቢ ዝምራሕ ሓይሊ ነቲ ወያነ ሃኒጸዮ ዝብሎ ዲሞክራሲ ደምሲሱ ምሉእ ብሙሉእ ባዕሉ ዝቋጻጸሮ ስርዓት ሕልሙ ንምትግባር፣ ናይ ወያነ ዓሌታዊ ፈደራሊዝም  ደምሲሱ መሰል ናይ ብሄራት ምጥፋእ፣ ብቀንዱ ድማ ንጉጂለ ወያነ ምጥፋእን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ከምዃኑ ዘጠቃልል መግለጺ እዩ ሂቡ። ብተወሳኺ ወያነ ኣብዚ ሰነዱ እዚ ናይ ሓደ ዉሁድ ሰልፊ ምምስራት ነቲ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ንወያነ ንምጥፋእ ናይ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ክግበር ኣለዎ ዝበሎ ንምትግባር ከምዃኑ ይገልጽ።

እዚ ሰነድ ወያነ ንኢትዮጵያ ካብ ከቢድ ቅልውላው ተረኪቡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት “ተኣምራታዊ ዓወታት” ከመዝግብ ከምዝኻኣለ ይገልጽ። ትርጉም ናይ ሕፍረት ዘይፈልጥ ወያነ ጌረዮም  ኢሉ ዝገልጾም ዓወታት ምድጋሞም’ውን የሕፍር እዩ። ገለ ካብቲ ዝብሎ ናይ ቢሄር ብሄረሰባትን ኣህዛብን ናይ ቃል ኪዳን ሕገ መንግስቲ ከምዘጽደቀ፣ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከምዝሃነጸ ይገልጽ። ነቲ ዝመስርውቶ ናይ ዓሌታዊ ስርዓት ከም ፍሉይን ኣብነትን ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ  ይገልጾ። ኣብ ቁጠባ ንኢትዮጵያ ንዎሎዳታት ክትከፍሎ ዘይትኽእል ዕዳ ገዲፉ ከብቅዕ፣ ወያነ ኣብ ቁጠባ ዘመዝገቦ ዓወታት ልክዕ ምስ ናይ ቻይና፣ ታይዋን ኮርያ ከምዝስራዕ እዩ ዝገልጽ። ወያነ ነዊሕ ዝርዝራት ታኣምራዊ ዓወታት ኣመዝጊበዮ ዝብሎ ብሓሶት ዘቅርቦ ስእሊ መወዳእታ ዘለዎ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ድማ እዚ ብድሕሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስጓጉ

ዘሎ ኩነታት ከም ጸልማትን ገሃነብን የቕርቦ። ነዚ ናይ ሕጂ ዘሎ ብዶክተር ኣቢ ዝምራሕ ኢህወደግ ድማ ሂወት ኣልቦ ከምዃኑን እዚ ናብ ሓደ ዉሁድ ሰልፊ ምምስራት ዝገብሮ  ዘሎ ናይ ቀቢጸ ተስፋን ንሞቱን ቀብሩን ምቅልጣፍ ዝገብሮ ዘሎ እዩ ብምባል ይፍክር።

እቲ ሰነድ ብተወሳኺ መወዳእታ ዘይብሉ ሃበስ ቀደስ፣  ወያነ ሳይንሳዊ ዝብሎ ግን ብስለትን ትሕዝቶን ዘይብሉ ብዛዕባ ኣወዳድባ ናይ ሰልፍን ብፍላይ ከኣ ንዮ ሊብራሊዝም ኢሉ ዝጽውዖ ናይ ዜግነት ስርዓት ንኢትዮጵያ ሓደገኛ ከምዃኑ ንመሰል ናይ ቢሄራት ደምሲሱ ሓደ ቢሄር ንኹሎም ብሄራት እንዳ ረገጸ ዝነብረሉ ስርዓት ምህናጽ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዶክተር ኣቢ ዝመርሖ ሓይሊ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። 

ካብቲ ዝገርም ወያነ ኢሂወደግ ናይ ኣወዳድባ እምበር ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። ብመሰረቱ ኣወዳድባ ነጸብራቕ ናይ ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሃነጾ ዓሌታዊ ወይ ናይ መንነት ኣወዳድባ ውጽኢት ናይ ሰይጣናዊ ኣተሓሳስብኡ ንኢትዮጵያ መቓቒሉ ክገዝኣ ዘኽእለኒ እዩ ብምባል ዝሃነጾን ስጋብ ሕጂ ኣብቲ ሃገር ከቢድ ጸገም ገዲፉ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ወያነ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሓሶት ጽንጽዋያት ምዝርዛር ናብቲ ቀንዲ ሕቶ ይኣቱ፣ ከምዚ ድማ ኢሉ ንነብሱ ይሓትት “ኣብ ምቕባር ዝርከብ ኢሂወደግ በኺናዶ ነፋንዎ ዋልስ ምሉእን ዝተጨበጠ ምርጫታትና ሒዝና ቀሪብና ቃልስና ነካይድ?”

ወያነ ነዚ ሕቶ ክምልስ ከሎ  ኩነታት ስጋብ ዘፍቀደልና ክንከይድ ኢና ዝብል መልሲ እዩ ዝህብ። ብምቕጻል ንኢህወደግ ከም ሓደ መቃለሲ ባይታ ከምዝጥቀመሉን ብምግላጽ ከመይ ጌሩ ከምዝቃለስ ይዝርዝር  ጎኒ ጎኒ ናይዚ ድማ ጸጥታዊ ምድላዋት ከምዝገብር እዩ ዝገልጽ። እዚ ዘብርሆ ወያነ ዕለት ቀብሩ ከምዘይተርፎን እቲ ቃልሱ ነዚ ዕለት ንምንዋሕ ጥራይ ምዃኑ እዩ።

ወያነ መቃለሲ ዝብሎም መንገዲታት ብቀዳምነት ኣብ ኢሂወደግ ኮይኑ እዚ ዉሁድ ፓርቲ ንምምስራት ዝካየድ ኢሂወደግ  ናይ ኣዋዳድባ እምበር ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከምዘይብሉ፣ ምውህሃድ ናይ ሰልፍታት ናቱ ሳይንስ ከምዘለዎን እቶም ቅድመ ኩነት ከይተማልኡ ናይ ዉሁድ ሰልፊ ኣብዝበጽሖ ከምዘይብሉ፣ ነዚ መርገጺታት ንኣባላት ካድራት ኢሂወደግ ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን ከምእውን ንዓለም ንምፍላጥ ብኹሉ ቛንቛታት ሚድያዊ ቃልሲ ከምዘካይድ ይሕብር። ንዓሌታዊ ፖከቲካ ዝድግፉን ንመሰል ብሄራት ስጋብ ምግንጻል ዝደልዩን ንዜግነት ፖለቲካ ዝቃወሙ ብምስራሕን ሓደ ግንባር ዝምስርተሉ ኣንፈት ሒዙ ክቃለስ ከምዃኑ ይገልጽ።

ብኻልኣይ ደረጃ ዝሰርዖ እዚ ዶክተር ኣቢ ዝመርሖ ናይ ለውጢ ሓይሊ ነዚ ወያነ የካይዶ ኣሎኹ ዝብሎ ቃልሲ ቁሩብ ግዜ ጥራይ እዩ ክህበና እምበር ኣብ ዉሁድ ሰልፊ  ምትግባር ከምዛኣቱ ይገልጽ። ዝዓደሞ ዘይብሉን ንዓይ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ እዩ እንዳበለ ተገልቢጡ እዚ ናይ ዉሁድ ሰልፊ ንኣብዮታዊ ዲሞክራስን ህዝቢ ትግራይን ክሕደት ስለዝኾነ ከምዘይኣትዎን  ቀልጢፉ ናቱ ግንባር ምስቶም ንናይ ወያነ ሕገ-መንግስቲ ዝቅበሉን ናይ መንነት ፈደራሊዝም ዝኣምኑ “ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ግንባር” ወይ “ኢትዮጵያ ፈደራል ግንባር” ስዝሙ ዉድብ ከምዝምስርት እዩ ዝገልጽ። 

ወያነ ነዚ ምውህሃድ ናይ ኢሂወደግ ናብ ሓደ ፓርቲ ብትሪ ከምዝቃዎሞን ዝቃለሶን ይገልጽ። ናይዚ ሳዕቤን ንወያነ ከቢድ ብድሆ ከም እገዳን ካልኦትን  ክወርዶ ከምዝኽእልን ኣብዚ ኤርትራ ወይ ወያነ ኣቐሚጥዎ ከምዘሎ “ጉጂለ ኢስያስ ብገፊሕ ክሰርሕ ይኽእል’ዩ” ይብል። ኣብ መደምደምታ ወያነ ኩሉ ምኳን ተኣቢዎ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ናብ ምንጻልን  ኩናትን ዝእንፍት ምፍርራሕን ብፈኸራ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ መስመር ህያው ከምዃኑን ከምዝዕወትን ገሊጹ ይዛዝም።

እዚ 43 ገጻት ዘለዎ ሰነድ ናይ ወያነ ህልው ኩነታትን ናይ በሓቂ እንታይነቱ ዝገልጽ እዩ። ሓሶት፣ ምግልባጥ፣ ምድንጋር፣ ኣብ ዕለታዊን ስልታዊን ጸቢብ ጉጂለዊ ረበሓ ዝተሓጽረ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ቀጻሊ ሓደገ ዘንብርን ብረበሓ ህዝቢ ትግራይ ጠላዕ እንዳተጻወተ ክቅጽል ዝደሊ ከምዃኑ ዘርኢ እዩ። ብዓቢኡ ድማ ዝተሳዓረ ግን ምቕባጽ ዝኣበየ ጉጂለ ከምዃኑን ዘብርህ’ዩ።  ብተወሳኺ ወያነ ገንዘቡ እንዳዋፈረ ብመንገዲ ሚድያ ዋዕ ዋዕ ዝብሎ ትርጉም ከምዘይብሉን እዚ ሰነድ’ውን ናይ ጠፋእኹ ኣውያት እምበር ወያነን እቲ ኣብ 27 ዓመታት ዝገደፎ በሰላታትን ሓያል ፖለቲካዊ ሕጽቦ ይካየደሉ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ግዳይ ናይዚ ጉጂለ ድዩ ካኸውን ዝብል ህዝቢ ትግራይ ክምልሶ ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ?  

ጉጂለ ወያነ ብስም ህዝቢ ትግራይ ን45 ዓመታት  ተጓዒዙ ጠላዕ ተጻዊቱ ተሳዒሩ። ድሕሪ’ዚ ነዊሕ ዓመታት  ህዝቢ ትግራይ መንነቱ ዓቂቡ ምስ ኩሉ ብሰላምን ሕውነትን ዝነብረሉ ዕድላት ሓሽሹ ምስ ኩሉ ኣጻሊኡ፣ ሕጂ ተመሊሱ ናብቲ ቅድሚ 45 ዓመታት ዘበገሰ መሰረታዊ ሕቶ ትግራይ እንታይ ተኾነት እንዳበለ ይሓትት ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ስዕረትን ፍሽለትን ተሰኪሙ ከብቅዕ ብድሕሪ ሕጂ እንታይ ዓወት እዩ ንህዝቢ ትግራይ ከምጻሉ? ጉጂለ ወያነ ካብቲ ብቕድሚኡ ዝሓለፉ ስርዓታት ብዝኸፈአ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦትን ዝፈተኖ ዕብለላን ምስፍሕፋሕን ከቢድ ዋጋ እዩ ኣኽፊሉ። ከም ወያነ ዝብሎ ናይ ቅርሕንቲ ፖለቲካ ዘይኮነ እዚ ንኤርትራ ሃገራዊ ድሕነት ዝተፈታተነ ናይ ኢትዮጵያን ዞባን ካንሰር ዝኾነን  ህውከት እምበር ሰላም ዘይርብሖ ብምዃኑ ናቱ ስትራተጂ ግዜ ዓዲካ ገለ ዕድላት እንተተረኸበ ዝብል ጥራይ እዩ። ስለዚ ናይ እሓዋሩ ሰላም ክረጋገጽ ናይ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ወያነ ናይ ግድንን ጉዳይ ሃገራዊ ረበሓን ድሕነትን ናይ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ ሰነድ ወያነ ባዕሉ ዘነጽሮ ጸወታ ከምዘብቀዐን ናይ ግዝያዊ ምዕግርጋር እምበር ነዚ መስርሕ ክቅይሮ ዓቅሚ ይኹን ኣማራጺ የብሉን።

                   

Serawr

Related Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Shares